Quantcast
Channel: Eri-Youth – Eritrea-Chat.Com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

ክሓተካ’ንዶ ፍቕሪ…Should I Ask You About Love

$
0
0

* ስማዕንዶ ክሓተካ ፍቕሪ…

– ወሸለ ዝሓተኒ ረኺበ። ኣነ ደኣ ዘይዝሓተኒ እንታይ ይደሊ? ሃየ ሕተቲ ክምልሰልኪ…

* ኣነ ናብ ሰብ እናሻዕ ክቐረብ ንስኻ እናሻዕ ትርሕቕ፤ አረ እንታይ’ዩ ጸገምካ? መልሰለይ! ብቝጠዓ ይነድድ’የ ዘለኹ፣

– ህድእ’ሞ በሊ! ምቝጣዕ መጀመርታን መወዳእታን ንዓኺ ጥራይ’ዩ ዝጐድእ፣ መን’ዩ’ሞ ስምኪ?

* ኣነ ደኣ ቅሳነት፣

– ስምዕኒ ቅሳነት። ኣነ አቕርብ እምበር ኣየርሕቕን እየ፣ ንስኺ ኢኺ ትርሕቅኒ ዘለኺ፣ ኣነ ኵሉ ሳዕ ምሳኺ ኣብ ውሽጢኺ ኣለኹ፣

* ኣብ ውሽጠይ!? ኣብ ውሽጠይ ማለትካ ኣይተረድኣንን? ኣብ ውሽጠይ እንተ ትህሉ ደኣ ዘይረኽበካ?

– ዘይደለኽኒ፣

* ኣነ ደኣ ወትሩ’የ ዝደልየካ፣ ካብ ‘ድለይኒ’ ኢልካ ምሳይ ጭርጭር ትጻወት እቲ ሓቀኛ ቦታኻ ዘይትነግረኒ?

– እዋይ ኣነ ድኣ ኣብ ልብኺ ኮፍ ኢለ ብሃንቀውታ እጽበየኪ፣ መዓስ ትበጽሕኒ ዘይፈልጥ ብዓቕሊ እጽበ፣

* ፍቕሪ ኣይተሽካዕልል፣ ክመጽእ ትደልየኒ እንተ ነይርካ። መሳኪን ደቂ

– ኣዳም እናሻዕ ክዅሕኵሑ ስለምንታይ ዘይትኸፍቶም? ብሓቂ ከምቲ ዝብሉኻ ጨካን ኢኻ፣

– ኣየ ቅሳነት። ኣነ ጨካን ኣይኰንኩን፣ ንመን ትሓቲ ከም ዘለኺ ርግጸኛ ዲኺ? ኣነ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ’የ፣

* ሓሳዊ ዝበለካ’ውን የለን፣ ግን ተሽካዕልልዶ ኣለኻ ሓቀይ?

– ቅሳነት። ሓቀኛ ፍቕሪ’የ፤ ካብቲ ቈርበት በጊዕ ተኸዲኑ ዝኸይድ ቶዅላ ፍቕሪ ኣዝየ

-ኣዝየ እተፈለኹ እየ፣ ንዓይ ከተለልዪኒ እንተ ደሊኺ። ነዞም ዝነግረኪ ባህሪያት ቅድም ፈትሺ፥ ቅንዕና። እምነት። ግሉጽነት። ሓልዮትን ኵሉ ዘጋጥም ብዋጋ ፍቕሪ ዘይምጥማትን እቶም ቀንዲ መለለዪየይ እዮም፣ ምስ እዚኣቶም ኣብ ዝነበርክሉ ኣነ ምዃነይ ክርድኣኪ እዩ፣

* እሞ እዚ ዝጠቐስካዮ የብለይን ማለትካ ድዩ? – ከምኡ ማለተይ ኣይኰንኩን፣ ኣነ እቲ ትደልየዮ እየ፣ እቲ ትደልይዮ ኣይትፈልጥን ዲኺ?

* ምሽዶ ከማን ‘ፍቕሪ ዕውር’ዩ።’ እየን ዝብላኻ? እዚ ዝጠቐስካዮ ከይፈለጣ ኣብኡ ከለዋ ዘፍቅራ ምሽ ኣለዋ?

– በጃኺ’ባ ክትጐድእኒ ኢልኪ ኣይትቕንዒ!

ኣነ ኣብ ከምዚ ትብልዮ ኵነት ኣይኰነን ቦታይ፣ ኣነ ቀኒዑን ተጊሁን ንዝደልየኒ ቃልዓለም የብለይን፣ እዘን ዝበልኪየን ግን ዘፍቀራ ኣይኰናን፤ ሃነይነይ እየን ዝብላ፣ ሃነይነይታ እዩ፣

* መዓስ ኢኻ ግን …?

– ዘረባኺ ከይወዳእኪ ተረዲአኪ… እቲ ኮኾብ ቀኒዑን ተጊሁን ኣብ ዝጸውዓኪ ባዕለይ ከም ዝመጽኣኪ ጥራይ እመኒ፣ ሕቶኺ ተመሊሱልኪዶ?

* ቍሩብ!?፣ ቻው በል ኣብ ሰላም ዝዀነ ግዜን ቦታን ብሰላም የራኽበና፣

– ፍቕሪ። እቲ ኣነ። ምዃነይ ምስ ኣፍቀርኪ ክርድኣኪ’ዩ፣ ዘይምኖን ዘይውዳእን ህይወት ምዃነይ ከተስተማቕርኒ ኢኺ፣

ቅሳነት

Source: http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14052017.pdf


Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

Trending Articles