Quantcast
Channel: Eri-Youth – Eritrea-Chat.Com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

You are not a man –ሰብኣይ ኣይኮንካን

$
0
0

“በጊዕ ክትሓርድ ኣይትኽእልን? እሞ ሰብኣይ ኣይኮንካን።” “ኣብ ገዛኻ ዝተበላሸወ ከተዐርይ ኣይትኽእልን? ሰብኣይ ኣይኮንካን።” “ኣብ ገዛኻ ዝተሰብረ ነገር ክትጽግን ኣይትኽእልን? ሰብኣይ ኣይኮንካን።” “ሰብኣይ ኣይኮንካን ንስድራቤትካ ክትከላኸለላ ዘይትኽእል እንተ ኴንካ” ክብሃል ሰሚዐ ኣለኹ።

እዚ ናይቶም በሃልቱ ትርጉም ስብእነት ስለ ዝኾነ፡ “ቅኑዕ እዩ”፡ “ኣይፋሉን። ቅኑዕ ኣይኮነን” ኢልና ክንከራኸረሉ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ምኽንያት፡ ብዙሕ ትርጉም ስብእነት ኣሎ። ብቦታኡን፡ በብሕብረተሰቡ ከኣ ይፈላለ። ትርጉም ስብእነት በብባህሉ ይፈላለ እዩ።

ሓሪስካ ክትኣቱ ዘይትኽእል እንተ ኴንካ ሰብኣይ ኣይኮንካን – ይብል ኣብ ገጠር ዝነብር ሰብ። ኣብዚ ሕብረተሰብ እዚ ቀንዲ ተደላዪ ጥበብ ወይ ድማ ክእለት ሓሪስካ ምእታው’ዩ እሞ ትርጉም ስብእነት ነዚ ኣዝዩ ተደላዪ ክእለት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ግዲ እዩ።

እዚ ሕብረተሰብ እዚ ህላውነቱ ኣብ ማሕረስ ዝምርኮስ ክሳብ ዝኾነ እዋን ድማ እዚ ትርጉም እዚ ኣዝዩ ህይወት ዘሪኡ ይቕጽል። ብኣንጻር እዚ ብሃድን ኣብ ዝነብር ሕብረተሰብ ወሓለ ጨማቲ ኣዝዩ በ ሪ ኽ ቦታ ይውሃቦ።

ስድራቤት እዚ ሰብኣይ እዚ ጥሜት ኣይደፍሮምን። ጾሞም ክሓድሩ ድማ ኣይሕሰብን እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ሓሞት ምስ ዝህልዎ ድማ ሰብኣይ ሰብኡት ይኸውን። ጸላኢ ዘለዎ ሕብረተሰብ ሰብኡት ይፈጥር እዩ። እምቢ ዝብሉ ሰብኡት። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕብረተሰብ – እምቢ ምባል፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ምብጃው ተደላዪ ባህሪ ይኸውን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ድማ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ብዜማ፡ ብደርፊ፡ ብልብወለድ፡ ብተዋስኦ ኣቢሉ ማይ የስትዮ። ብነቐፌታ ኣቢሉ ድማ ይኹስኩሶ። ነዚ ባህሪ እዚ ክዓቢ ዕድል ዘይህብ ኣተሓሳስባን ኣከያይዳን ድማ ብምሳሩ ኣቢሉ ይጽንጽሎ፣ ወይ ድማ ምሕዩ ይድርብዮ።

Sebay aykonkan - You are not a man

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዘይተደላዪ ባህሪ ክዓቢ ኣይሕደግን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓረስታይ ሕብረተሰብ ናይ ሃድን ክእለት ኣይተባባዕን። እቲ ሕብረተሰብ “ሃድን የዋጽኣኒ እዩ” ክብል እንተ ኮይኑ’ውን እዚ ክእለት ኣብ ኩሉ ሰብ ክበጽሕ ዘበናት’ዩ ዝወስድ። ንባጫ ሕብረተሰብ ሓሊፉ ዝሰረረ ድማ ኣካል እቲ ባህሊ ክኸውን ካልእ መስገደል ይሓልፍ። ገሊኡ ሰብ ክቕበሎን ገለ ሰዓብቲ ከጥሪን ይጅምር። እዚ ግን ድሕሪ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ።

እቲ ነዚ ሓድሽ ክእለት ዘበገሰ ሰብ ድማ ፍረ ሓሳቡ ክርኢ ዕድል የብሉን። ንሱን ደቁን ደቂ ደቁን ምስ ተቐብሩ እቲ ሓሳቡ ኣብቲ ባህሊ ሱር እንተ ሰዲዱ ቀልጢፉ ሰሊጥዎ ኣሎ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ትርጉም ስብእነት ነቲ ሕብረተሰብ ብዝገጥምዎ ብድሆታት ይድረት እዩ። ብወራር ኣብ እትሽገር ሃገር ወተሃደራዊ መራሒ ሰብኣይ ይኸውን። መድሓኒ እቲ ህዝቢ ጅግና ሰብ ተደልዩ፡ እቲ ጅግና ምስ ዝርከብ እዚ ሰብ እዚ ሰብኣይ ይኸውን። ኣብቲ ሕብረተሰብ ድማ ዓብዪ ክብሪ ይጎናጸፍ።

እዚ ሰብ እዚ መድሓኒኣ እዩ እሞ እቲ ሕብረተሰብ ኣይርስዖን እዩ። ታሪኽ ዝናኡ የዘንትወሉ። ብስነ- ጥበብ ኣቢሉ ሓውልቲ ይሃንጸሉ። ይኹንምበር፡ ሓደ ሕብረተሰብ ከም ኣብ ቀላይ ዘሎ ማይ ኣይኮነን። ኣብ ቀላይ ዘሎ ማይ ናብ ዘብሎ የብሉን፡ ኣብኣ እዩ። ክረምቲ መጺኡ፡ ክረምቲ ከይዱ ኣብኣ ኣሎ። ሓድሽ ማይ ይኣትዎ። ብቐንዱ ግን እቲ ማይ ብዙሕ ለውጢ ኣይገብርን እዩ። ሕብረተሰብ ከም ማይ ሩባ እዩ። ታሪኹ ይጸልዎ እሞ ክቕየር ይግደድ። ቅድም ኣማኒ ዝነበረ ብሰንኪ ዝሓለፎ መሪር ብስለት የጥሪ።

ሕጂ ንኹሉ ብጥንቃቐ ክኸዶ ይግደድ። ጽልዋ ጎረባብቱ ኣለዎ። ኣሻኹ ጎረቤት ዘለዎ ደቂሱ ክሓድር ኣይክእልን። ስራሕ ኣማራጺ ኣይኮነን። ግዴታ እዩ። ትምህርቲ ምርጫ ኣይኮነን። ግዲ ክግበር ዘለዎ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዓውለማ ንሕብረተሰብ ይጸልዎ እሞ በዚ ግዳይ ከይከውን ምስ ዓለም ክስጉም ይግደድ። ዓለም ዘብዘብ እናበለት እንከላ ብህዱእ ኣሳጉማ ምኻድ ኣየዋጽእን። ዓለም ለይትን ቀትርን ብስራሕ ከተላግቦ፡ ለይትን መዓልትን ስራሕ ካብ ዓለም ክማሃር ይግደድ።

ጽባሕ ክልምን ዘይደሊ ሕብረተሰብ ድማ ሎሚ ክሰርሕ፡ ክምሃርን፡ ክሃልኽን ይመርጽ። ሓድሽ ማይ ልምዓት፡ ሓድሽ ማይ ትምህርቲ፡ ሓድሽ ማይ ስራሕ ነቲ ዝጸንሐ ርስሓት ትህኪት፡ ርስሓት ድኽነት፡ ርስሓት ልማኖ፡ ርስሓት ተጸባይነት ሕጽብጽብ ኣቢሉ ይወስዶ። እዚ ኣብ ማይ ቀላይ ኣይከውንን እዩ። ኣብ ማይ ቀላይ፡ ማይ ስራሕ እንተ ኣተወ እቲ ዝጸንሐ ርስሓት ትህኪት ይብርዞ። ኣብኡ ማይ ትምህርቲ እንተ ኣተወ ርስሓት ድንቁርና ይቃወሞ።

ንናይ ምጽራይ ሓይሉ ድማ የዳኽሞ። ኣብኡ ማይ ልምዓት እንተ ኣተወ ዝጸንሐ ርስሓት ተጸባይነት ከየድምዕ ይዕንቅፎ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ምስ ከምኦም ተቐዳደምቲ ዝጠማጠም ሰብኣይ ይደሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ድማ ክዳሎ ጸኒሑ ቦሎኽ ምባሉ ኣይተርፎን። ኣብ ጉያ ድማ ከምኡ፡ ንድሌት ልቡ ክሰምዕ ዝጸንሐ ኣትለት፡ ሰብኣይ ኣብ እተደልየሉ እዋን ክቕልቀል ኣይጽግሞን። ትምህርትን ፍልጠትን ኣብ ዝድለየሉ ድማ ሕብረተሰብ፡ ካብቶም ክኹስኩሶም ዝጸንሐ ደቁ ‘መድሓኒ’ ዝኾንዎ ከዳሉ ይኽእል እዩ። 


Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

Trending Articles