Quantcast
Channel: Eri-Youth – Eritrea-Chat.Com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ናብ ብሩህ መጻኢ

$
0
0

መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣርባዕተ ኣስመራ ተደኲና ትርከብ። ብ10 መስከረም 1971 ዝተመስረተት እታ ቤት ትምህርቲ፡ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ምቁራጽ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ ኣላ። ኣብቲ ፈለማ እዋናት ብውልቀ ሰባት ክትመሓደር እንከላ፡ ቁጽሪ ተማሃሮ ካብ 1000 ክሳብ 1100 ክበጽሕ ከሎ፡ ዓቕሚ መሳለጥያታት ድማ 11 መምሃሪ ክፍልታት፡ ሓደ ቤት ጽሕፈት መማህራን፡ ሽዱሽተ ሽቃቕን ሓደ መኻዚኖን ዘቓልል ምንባሩ ሓላፊ ናይታ ቤት ትምህርቲ ኣቶ በረኸት ገብረትንሳኤ ይሕብር። ገለ ክፋሉ’ውን ክሳብ ሕጂ የገልግል ኣሎ።

መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ኣብቲ ግዜ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበራ ኮይና፡ ብዙሓት ብሉጻት ተማሃሮ ከተፍሪ ዝበቕዐት’ያ። ንተጠቐማጦ ናይቲ ከባቢ ዓቢ ኣስተዋጸኦ ከምዝነበራ ድማ’ዩ ታሪኽ ዝሕብር። ቀደም ተማሃሮ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኮሚተ ወለዲ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

Eritrean School Erufael

መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ናይ ውልቂ ናብ መንግስታዊት ትካል ተሰጋጊራ ትርከብ። ቅድሚ ናጽነት ንምዕባለኣ ዝተገብረ ጽገና ብዘይምንባሩ፡ ኣዝያ ኣሪጋ’ያ ጸኒሓ፡ ጸባብን ውሱን መምሃሪ ክፍሊታት ዘጠቓለለትን ብምንባራ’ውን ንውሑዳት ተማሃሮ ጥራይ እያ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ። ኣብ 2011 ግን ምሉእ ጽገና ከምእተገብረላን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኩሉ ትሕተ ቅርጺ ጽገና ከምእተኻየደላ ኣቶ በረኸት ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2014-2015 ከኣ በዓል ሰለስተ ደርቢ ህንጻን ዘመናዊ ትሕተ ቅርጺን ለቢሳ፡ ከም ሓዳስ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት ኣቶ በረኸት ወሲኹ የረድእ። መንግስትን ግንባርን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ዘካየድዎ ወፍሪ ምትሕብባር መንግስቲ ሪፓብሊክ ቻይና ዘይተነፍጎ እዩ ነይሩ። መስርሕ ናይቲ ጽገና ኣዝዩ ጹፉፍን ቅልጡፍን ምንባሩ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኩሉ መሳለጥያታት ተዋዲዱላ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝበቕዐት ኣቶ በረኸት ገሊጹ።

ድሮ ከኣ ቁጽሪ ተማሃሮ ናብ 2000 ደይቡ ይርከብ፡ እዚኣቶም፡ ኣብ 48 መምሃሪ ክፍልታት በብ40 ዝማሃሩ እዮም። ብዝሒ ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ስለዝነከየ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ጹቡቕ ለውጢ ከምዝመጸ ከኣ ኣቶ በረኸት ይገልጽ። ብቕዓት ተማሃሮ እውን ብኡ መንጽር ኣብ ጹቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ኣቶ በረኸት ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ኣብዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ዘመናዊ ትሕተ ቅርጺ፡ ግቡእ መሳለጥያታት ተዋዲድላ ትርከብ።

እኹል መምሃሪ ጣዋሉ፡ ዓይኒ ምድሪን ቀረብ ማይን ኣብ ሰለስቲኡ ደርብታት፡ ብኤለትራክን ብሶላርን ዝሰርሕ ምዕቡል ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ፡ ክልተ ኣጋንእ ናይ ማይ፡ ማለት ምስ ኩለን ክፍልታት ዘራኽብ ክፍሊ ሬድዮ፡ ምዕቡል ክፍሊ ኣባላት ስታፍ።

ከምኡ’ውን ኣስታት 24 ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኣለዉዋ። ኣብቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ተደኲናትሉ ዘላ ከባቢ ሕጽረት ኣብያተ ትምህርቲ ስለዘሎ በቲ ሓደ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝተሰረተትሉ እዋን ኣትሒዛ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶ ስለዝጸንሓን ብኣብነት ስለእትጥቀስን ድማ በቲ ካልእ፡ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝተማህሩ ሰባትን ተቐማጦ ናይቲ ከባብን ንክትዕረ ተደጋጋሚ ጠለባት ከቕርቡ እዮም ጸኒሖም። ኮይኑ ከኣ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዘመናዊ ትሕተ ቅርጺ ክትህነጽ በቒዓ። መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ብዘመናዊ ኣገባብ ምስ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ናብ ብሩህ መጻኢ ተሃነጸ ኣብ ተማሃሮን ተቐማጦ’ቲ ከባብን ዓቢ ሩፍታ’ዩ ፈጢሩ። ብዝሒ ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ስለዝነከየ፡ ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ብግቡእ ትምህርቶም ይከታተሉ ኣለዉ።

ነፍሲ-ወከፍ ተማሃራይ ናይ ውልቁ መምሃሪ ጠረጴዛ ኣለዎ። ስለዚ፡ ብብጾቱ ከይተረበሸ እዩ ትምህርቱ ዝከታተል። ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 53 ሰራሕተኛታት ኣለዉ። 43 ካብኣቶም ኣብ ክፍሊ ዝምህሩ መማህራን እዮም። “ኣብ መስርሕ መምሃር ምስትምሃር ርኡይ ለውጢ ኣመዝጊብና ክንብል ንክእል” ይብል ኣቶ በረኸት። ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ካብ ካልኦት መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዝያ ዝተፈልየት እያ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዝጠቐስናዮ ነጥብታት፡ ኩሉ መሳለጥያታት ዝውንን ቤት ንባብ፡ ስሩዕ ትምህርቲ ኮምፒዩተር (ICT) ምስ 42 ኮምፒዩተረት፡ እኹል ናይ ማይ ቀረብ፡ ካልእን ዘማልአት ኣዝያ ዘመናዊት ቤት ትምህርቲ እያ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ በረኸት፡ ተማሃሮ ብቕዓቶም ንምሕያል ብክለባት ተጠርኒፎም ዝተፈላለየ ንጥፈታት የካይዱ። እቲ ዝግበር ንጥፈታት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዓውድታት፡ ማለት ባህሊ፡ ጥዕናን ስፓርት ዘተኮረ እዩ። እዘን ሰለስተ ዓውድታት ድማ ነፍሲ-ወከፈን ኣብ ሸውዓተ ንኡሳን ክፍልታት ተመቒለን ዝተፈላለየ ስርሓት የካይዳ። መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ካብ ሕጂ ኣትሒዙ ኣብ ምዕቃብ እዚ ዘመናዊ ህንጻ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣቶ በረኸት ገብረትንሳኤ ዘነጽር። “ከምዚ ዓይነት ትሕተ ቅርጺ ኣብ ሃገርና፡ ብፍላይ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ልሙድ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ምዕቃቡ ብዕቱብ ኢና ንሰርሓሉ።

ተማሃሮ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ክጥንቀቑን ንብረት ከየበላሽዉን ቀጻሊ ሓበሬታን መጠንቀቕታን ንህብ። ኩሉ ኣባል ናይዛ ቤት ትምህርቲ ድማ ብተገዳስነት እዩ ዝዋሳእ።” ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ኣቶ በረኸት ገብረትትንሳኤ ኣብ መወዳእታ፡ “ናይ መጻኢ መደብና፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኢራፋይለ ኣብ መባእታ ደረጃ ጥራይ ከይተሓጸረት፡ በብቑሩብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክትድይብ’ሞ ብሉጻት መንእሰያት ከተፍራ ምእንቲ ቀጻሊ ጻዕሪ ምክያድ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ሓላፍነት ተሰኪሙ ነዛ ቤት ትምህርቲ ግቡእ ክንክን ክገብረላን ኣበርክቶ ከሐይልን ጸዊዑ። እታ ቤት ትምህርቲ ብኮሚቴ ክትምራሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ጠቒሱ ከኣ፡ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ገለ ዘይተዛዘመ ነቓዓት ስለ ዘለዎ፡ ፈሪሱ ኣብ ተማሃሮ ጉድኣት ከየውረደ ከሎ ዝምልከቶ ኣካል ቀልጢፉ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።


Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

Trending Articles