Quantcast
Channel: Eri-Youth – Eritrea-Chat.Com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

450 Eritrean Graduated Students in Central Region

$
0
0

450 Eritrean Graduated Students in Central Region

ዞባ ማእከል፡ ብዝተፈላለየ  ሞያ ዝሰልጠኑ 450 መንእሰያት ተመሪቖም።

ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ብዝተፈላለየ ሞያታት ዘሰልጠኖም 450 መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ብ5 ታሕሳስ ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ሳምሶም ክፍለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ማሕበር ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ዘለዉ ኣባላቱ በብእዋኑ ሞያዊ ዓቕሞም ንምብራኽ ኪሰርሓሉ ምጽንሑ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝበለጸ ከም ዝደፍኣሉ ኣብሪሁ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ተቖጻጻሪ ትካላት ሞያዊ ስልጠናታት ኣቶ ተወልደ ኪዳነ ብወገኑ፡ ሃማመተኤ ምስ’ተን ትካላት ብዝገበሮ ምርድዳእ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ፍርቂ ዋጋ እናኸፈሉ ሞያዊ ዓቕሞም ንምምዕባል ዕድል ከምእተፈጥረሎም ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተመረቕቲ፡ ካብ ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ብርሃነ ነጋሽን፡ ካልኦት ሓለፍቲን ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም። እቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኤለክትሮኒክስ፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ግራፊክስ፡ ቋንቋታት እንግሊዝን ዓረብን፡ ኣውቶሜካኒክስ፡ ኣተሓሕዛ ሕሳብን ኮምፕዩተርን ዘጠቓለለ’ዩ።


Viewing all articles
Browse latest Browse all 369

Trending Articles